ጕድኣትን ህስያትን እንታይ እዩ ?

ጉድኣት ዝብሃል: ነቲ ሰብ ክጉዳእን ጽልዋ ከሕድረሉን ከሎ እዩ። እዚ: ኣካላዊ ጕድኣት እውን ዘጠቓልል ኢዩ: እንተዀነ ግን ናይ ሓደ ሰብ ስምዒት ወይ ኣእምሮኣዊ ጥዕና እውን ከጠቓልል ይኽእል ኢዩ ።

ዝበዝሑ ሰባት ሕያዎትን ዘይጏድኡን እኳ እንተ ዀኑ ካልእ ሰብ (በጽሒ ዝኾነ) ንኻልእ ሰብ ምስ ዝጎድእ መብዛትኡ እዋን ብዕላማ ወይ ብሸለልትነት ኢዩ ማህሰይቲ ዝወርዶ ።

ኣብነታት…

ዓመጻ

ሓደ ሰብ ክሃርመኩም ወይ ክዕምጸኩም ኸሎ እዩ። እዚ ኸኣ ሓደ ኣብነት ኣካላዊ ማህሰይቲ እዩ ።

ስምዒታዊ ማህሰይቲ

ሓደ ሰብ ጐዳኢ ዘረባ ብምዝራብ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኹም ሕማቕ ከም ዝስምዓኩም ኺገብር ከሎ: እዚ ሓደ ኣብነት ስምዒታዊ ማህሰይቲ እዩ ።

ጾታዊ ማህሰይቲ

ሓደ በጽሒ: ንብሕታዊ ኽፍሊ ኣካላትኩም ኺትንክፎ ኸሎ: እዚ ሓደ ኣብነት ጾታዊ ማህሰይቲ እዩ ።

ሸለልትነት

ሓደ ክከናኸነኩም ዚግብኦን ዚኽእልን ሰብ: ከም መግቢ ወይ ፍቕራዊ ሓልዮት ዝኣመሰለ ዜድልየኩም ነገራት ምስ ዘይህበኩም እዩ። እዚ ኸኣ ዕሽሽ ከም እተባህልኩም ዘርኢ ኣብነት ኢዩ ።  

ምዝመዛን ምሻጥን

ሓደ ሰብ ናብ ካልእ ሃገር ኬግዕዘኩምን ከም ኽፍሊት ገይሩ ንኽህበኩምን ምስ እትሽቅልሉ ማለት እዩ። እዚ ኣብነት ምዝመዛ ዀይኑ ንግዲ ሰብ ተባሂሉ እውን ይፍለጥ እዩ ።

ሓለዋ እንታይ እዩ ?

ሓለዋ ኸምዚ ዝስዕብ ምግባር ኢዩ -   

1)    ንዓኹም ዀነ ንኻልኦት ሰባት ንከይትጕድኡ ወይ ንኸይትህሰዩ ክልክል ይኾነኩም።  

2)    ካልኣይ ጊዜ ንኸይጥሰዩን ካብ ማህሰይትኹም ኸኣ ንኽትሓውዩን ይገብር።  

3)    ብሓፈሻኡ ኺርአ ኸሎ ሰባት ድሕንነትን ሓጐስን ጥዕናን ንኺሕልዎም ይድግፎም እዩ።

እቲ ሰይፍ ፓሰጅ ተባሂሉ ዘሎ ኣቀራርባ ብኸመይ እዩ ሓለዋ ዝኸውን፧

በዚ ሰይፍ ፓሰጅ ኵሉ ሰብ ብደሓን ከም ዚነብር ክንገብር ንደሊ ኢና። ልዕሊ ዅሉ ድማ ካብቲ ሰይፍ ፓሰጅ ዝዀነ ይኹን ሰብ ከም ዘይጐድኣኩም ወይ ከኣ ኣብ ጎድንኹም ኮይኑ ስለ ዝዓዪ ዝዀነ ይኹን ጕድኣት ከም ዘየውርደልኩም ኸነረጋግጽ ክንጽዕር ኢና።

ተወከልቲ ሰይፍ ፓሰጅ ኸምዚ ዝስዕብ ክገብሩ ኣለዎም:

✅ ምሳታቶም እትራኸበሉ ቦታታት ድሕንነት ዘሎዎ ቦታ ንኽኸዉን ይጽዕሩ።

✅ ኣኽብሮትን ሓልዮትን ኬርእዩኹም

✅ዛዕባ እተጐዳእኩምሉ ወይ እተጨነቕኩምሉ እዋን ትነግሮዎም እንተ ኣሊኹም ኪሰምዑኹምን ኬዘራርብኹም ኣለዎም ፣ እዚ ኸኣ ብዛዕባኡ ኽትዘራረቡ እንተ ደሊኹም ጥራይ እዩ ።

✅ እንተ ተኻኢሉ ብዛዕባኹም ኣብ ዚግበር ውሳነታት ኬእትዉኹም ኣለዎም ።

✅ ብዛዕባኹም ዚገልጽ ሓበሬታ ብስቱር ኪሕዝዎ ኣለዎም።

ተወከልቲ ሰይፍ ፓሰጅ ኸምዚ ዝስዕብ ፈጺሞም ክገብሩ የብሎምን፥

❌ ኪሃርምኹም ወይ ብኣካላዊ መዳይ ኪጐድእኹም

❌ ኪጭድርልኩም፣ ብዝጐድእ ኣስማት ኪጽውዕኹም ወይ ከኣ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኹም ሕማቕ ከም ዚስምዓኩም ዚገብር ዘረባ ምዝራብ።

❌ ክትገብርዎ ዘይትደልዩ ነገራት ንኽትገብሩ ኬገድደኹም ወይ ገንዘብ ወይ ዝዀነ ይኹን ነገር ካባኹም ኺወስዱ። ካብ ውሑስ መገዲ እትረኽብዎ ኩሉ ግልጋሎት ናጻ እዩ።

❌ ኪትንክይኹም ወይ ብጾታዊ መገዲ ኺዛረብኹም። ምሳኹም ፍቕራዊ ርክብ ኬማዕብሉ የብሎምን ።

❌ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ (ኢንስቶግራም ወይ ፌስቡክ) ምሳኹም ኺራኸቡ ወይ ብዛዕባ እቲ ምሳኹም ዚዓይዎ ዕዮ ዘይተሓሓዝ ነገራት ኪልእክልኩም።

❌ ናብ ቤትኩም ኪመጹ ወይ ናብ ቤቶም ኪዕድምኹም

ኣብ መብዛሕትኡ እዋን ምስ ሓደ ተወካሊ ሰይፍ ፓሰጅ በይንኹም ኣይትኾኑን ኢኹም። ከምኡ እንተድኣ ዄንኩም ኸኣ ኣብ ሰብ ክርእዮ ዝኽእል ቦታ ኪኸውን እዩ።

ሓደ ተወካሊ ሰይፍ ፓሰጅ ምስ ዝብድለኒ እንታይ ኢየ ዝገብር፧

ገለ ኻብቲ ስርዓታት እንተ ጥሒሱ ወይ ኪጐድኣኩም ወይ ቅሳነት ከም ዘይስማዓኩም ምስ ዝገብር ንኻልእ ሰብ ካብ ሰይፍ ፓሰጅ ክትነግሩ ኣለኩም። ንኽትነግሩና እትኽእሉሉ እተፈላለየ መገድታት ኣሎ፤ ዝጠዓመኩም መገዲ ክትመርጹ ትኽእሉ።

  • ናብ: donoharm@Safepassage.org.uk ኢ-መይል ብምልኣኽ እንታይ ከም ዘጋጠመ ኽትነግሩና ትኽእሉ ኢኹም፤ ሓደ ሰብ ድማ ተመሊሱ ኼመያይጠኩም እዩ።

  • ምስ ፊል ወይ ቤት ክትዘራረቡ ትኽእሉ ኢኹም።

 

ፊል

ኣብ ሰይፍ ፓሰጅ ፤ ፊል ንኵሉ ሰብ ብደሓን ከም ዝኸውን ምግባር ዕዮኡ ኢዩ ።ብኢ-መይል: donoharm@safepassage.org.uk ወይ ናብ +447761740598 ብምድዋል ብመልእኽትታት ብምልኣኽ ወይ ከኣ ብ-Whatsapp ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ቤት

ቤት ኣብ ሰይፍ ፓሰጅ CEO (ሓለቓ) ስለ ዝዀነት ኣብ beth@safepassage.org.uk ኢ-መይል ብምልኣኽ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ጭንቀት ክትነግርዋ ትኽእሉ ኢኹም።

 

ነቶም ሰራሕተኛታት ሰይፍ ፓሰጅ ብዛዕባ እንታይ ካልእ ክነግሮም እኽእል፧

ንኽንሕግዘኩም ድሉዋት ኢና። ስለዚ ኽትዛረቡና እትኽእሉ ሓደ ተወካሊ ሰይፍ ፓሰጅ ጌጋ ምስ ዚገብር ጥራይ ኣይኰነን። ጽቡቕ እንተ ዘይተሰሚዑኩም ወይ ካልእ ሰብ እንተ ጐዲእኩም ነዚ እውን ክትነግሩና ትኽእሉ ኢኹም ።ኵሉ ሳዕ መፍትሒ ኣይህልወናን ይኸውን እንተዀነ ግን ወትሩ ኽንሕግዘኩም ወይ ምስ ሓደ ኽሕግዘኩም ዝኽእል ሰብ ከነራኽበኩም ኢና እንጽዕር።

ንሓደ ኣባል ሰራሕተኛ ሰይፍ ፓሰጅ ገለ ነገር ምስ ዝነግሮ እንታይ ኢዩ ዝኸውን፧

ሓደ ተወካሊ ሰይፍ ፓሰጅ ገለ ጌጋ ኸም ዝገበረ እንተ ነጊርኩምና እንታይ ከም ዝበልኩምና ኽንምርምር ኢና።

እዚ ኸኣ ምናልባት ሓደ ሰብ ብዛዕባ እቲ ዝዀነ ነገር እንደገና ኼዘራርበኩም ኣለዎ ማለት ኪኸውን ይኽእል እዩ ።

ካልኦት ሰባት ምእንቲ ኸይጕድኡ እውን ለውጢ ኽንገብር ክንጽዕር ኢና ።

ካልእ ሰብ ይጐድኣኩም ኸም ዘሎ እንተ ነጊርኩምና ንኻልኦት ሰባት ክንዛረቦም የድልየና ይኸውን ። ቀዳማይ ፊል ወይ ቤት ኣብ ሰይፍ ፓሰጅ ወትሩ ኺንገሮም ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ ነቶም ካብ ሰይፍ ፓሰጅ ወጻኢ ዘለዉ ሰባት እውን ኪነግርዎም የድልዮም ይኸውን ፣ እዚ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ወይ ከኣ ጉዳይኩም ዝውክሉ ካልኦት ሰባት ኪኾኑ ይኽእሉ እዩም። ንዚጐድኣኩም ወይ ነቲ ዅነታት ንዜጋድዶ ሰብ ሓበሬታ ኣይነካፍሎን ኢና ።

እቲ ዝነግረኩም ምስጢር ድዩ ፧

ኣይፋልን ንሱ ኣይኮነን። ሓደ ሰብ እንተ ተጐዲኡ ወይ ማህሰይቲ እንተ ወሪድዎ ነዚ ምስጢር ጌርና ኽንሓብኦ ኣይንኽእልን ኢና ። ይኹን እምበር ንመን ከም እንነግር ኣጸቢቕና ኽንጥንቀቕ ኢና ፣ ነቶም ኪፈልጡ ዜድልዮም ጥራይ ድማ ክንነግሮም ኢና ።እዚ ዜፍርህ ኪመስል ይኽእል እዩ፤ ከይነገርኩምና ብምስጢር ከትሕዝዎ ትደልዩ ትኾኑ እንተዀነ ግን ምእንቲ ክንሕግዘኩም ኽንጽዕር ክትነግሩና ተስፋ ንገብር።

ብዛዕባ ዕቝባ ገለ ሕቶታት ኣለኩምዶ፧

በየናይ ዝሓሸ መገዲ ኽንዓምም ከም እንኽእል ዚገልጽ ሓሳብ ኣለኩምዶ፧

ከምኡ እንተ ዀይኑ በጃኹም ንፊል ኣዘራርብዎ ወይ ናብ ኣድራሻ: donoharm@safepassage.org.uk ኢ-መይል ልኣኹ።

ስምኩም ክጥቡ ኣየድልየኩምን እዩ ፣ ስምኩም ከይገለጽኩም ድማ ክትጽሕፉ ትኽእሉ ኢኹም ። ይኹን እምበር ስምኩም እንተ ዘይገሊጽኩም ነቲ ዜተሓሳስበኩም ጕዳይ ንምምርማርን ምላሽ ንምሃብን ዘሎና ኽእለት ኣጸቢቑ ኺጸልዎ ይኽእል እዩ።